Home
መሪሕነት ዘስዓቦ ዘይተወድኤ ግፍዕታት ህዝቢ PDF Print E-mail
Written by ገብረዝጊ አፈወርቂ፤   
Wednesday, 30 December 2009 09:33

ሰብ ሰርሖ ከም ገዛ ዝአመሰለ ንብረት በብጊዜኡ ዝከናኸኖ ሐላይ ምስ ዘይረክብ ሐጋይ ብጸሐይን ንፋስን ክነቅዕ፤ ክረምቲ ብማይ ክጥስጥስ ስለ ዝኸርም ብዘይ ዕድሚኡ ዑና ይኸውን፡፡ ጸላኢውን ነቲ ዝገዝኦ ህዝቢ ነባሪ ባህሉ ብሐዲሽ ናይ ደገ ባህሊ ክቕይር፤ ቛንቛኡ ብናይ ገዛኢ ቛንቛ ክትክእ፤ ጉልበት ህዝቢ ብዘይ ደሞዝ አስሪሑ፤ ጥምየት፤ ሕማም፤ ድንቁርና ከስፋሕፍሕ ከሎ ኩሉ ሃብቲ ሃገር ድማ ጓሕጊሑ ይወስዶ፡፡  ሐደ ገዛኢ ጉልበት ህዝብን ሃብቲ ሃገርን መዝሚዙ ረብሕኡ ከዕቢ ከሎ ተገዛኢ ህዝቢ ድማ ዝነበሮ ንብረት የጥፍእ፤ ተገዛኢት ሃገር ድማ ትዓኑ፡፡ገዛኢ ክወርር ከሎ ብተኹሲ ጥይት፤ ብተባራዒ ሐዊ ዝተፍእ ቦንብታት አብ ቅድሚኡ ዘጓነፎ ንብረት እንዳዕነወ፤ ህዝቢ ቆልዓ-ሰበይቲ፤ አረጊት-መንእሰይ ብዘይፈሊ እነዳቀተለ ኢዩ አብ ሃገር ዝአቱ፡፡ ተደፊኡ ካብ ሃገር ክወጽእ ከሎውን አብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ዝውሰድ ዘሪፉ፤ ዝቃጸል ሓዊ ወሊዑ እንዳዕነወ ዝተፈላለየ ክፉእ ጠባያት ንባህልን ስነግብርን ዘባላሹ ሕማማት ኣተአታትዩ፤ ንህዝቢ ድኽነት፤ ድንቁርና፤ ትህኪት፤ ስኽራን፤ ስርቂ፤ ፍርሃት፤ አብ ነንሕድሕዱ ዘይምትእምማን ከምዝሐድሮ ገይሩ ሐላፍነቱ አረሲዑ አዕንይዎ ኢዩ ዝወጽእ፡፡ ብተመሳሳሊ ዲክታተር ንቑሩባት አገልገልቱ ትእዛዝ ፈጸምቲ ልኢኹ ዝፍጽሞ ዘሎ ርኡይ አዕናዊ ተግባራት ካብ ናይ ደገ ወራር ዝኸፍእ ኢዩ፡፡
 
መንግሰቲ ጣልያን ሃገርና አብ ትሕቲ ግዝአቱ ኣእትዩ ምስ ተቆጻጸረ ስተራተጂካዊ አቀማምጣ መሬታ ተረዲኡ ሐንቲ ክፍሊ ናይ ሃገር ጣልያን ገይሩ ነቲ ዘዝጸበቐን ዘዝሰብሓን መሬት ህዘቢ ንዜጋታቱ ዓዲሉ ምዕቡል አብያተዕዮታት፤ ንአገልግሎቱ ዝጥዕም መገዲ ጽርግያታት፤ ምድሪ ባቡርን ትካላት ወደብ ባሕርን ሰፊሕ መራብሒ ከብቲን ሕርሻን አቁሙ፡፡ እዚ ኩሉ ስራሐት ኣብ ትሕቲ ግፍዕታት ጣልያን ጉልበት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ጠፊእዎ፡፡ ቀጺሉ ምምሕዳር መንግሰቲ እንግሊዝ ግዝኣት ምሰፍሕፋሕ ምንግስቲ ጣልያን ምስተሳዕረ ነቲ ብመንግስቲ ጣልያን ዝተሰረተ ትካላት ኣፍሪሱ፤ ዝውሰድ አቑሑት ኣግዒዙ፤ ዝባላሾ  ኣባላሽዩ፤ ዘየድሊ ድሑር ስምዒታት ኣተአታትዩ ምስ ኣብ መንጎ ከባቢ ዶባት ናይ ጎረባብቲ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ፈላላይን ኣዕናውን ሐማማት ገዲፉ ኢዩ ወጺኡ፡፡ ኤርትራ ብታሪኽ ልክዕ ከምተን ካልኦት ናይ ወጻኢ ግዝኣት ዘሕለፋ ሃገራት ኣፍሪቃ መሰል ነጻነታ ብሕጊ ክትረክብ ዝግብኣ ከሎ ብምኽንያት ረብሐ ወትሃደራዊ ስትራተጂ መንግስቲ ኣመሪካ አብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምትካልን ድልየት ኣስፋሕፋሒ ግዝአት ንጉሰ ሃይለ ስላሴ ንምዕዋትን ነቲ ውሳኔ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግሰታት ኤርትራ ምስ   ኢትዮጵያ 10 ዓመታት ፈደረሽን ኣትያቶ ዝነበረት ውዕል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሒሱ መንግስታዊ ምምሕዳር ኤርትራ አፍሪሱ ሐንቲ ክፋል ጠቕላይ ግዝኣት ኮይና ኣብ ኣርዑት ኢትዮጵያ ከምእትቑረን ተገይሩ፡፡ መሰረታዊ ማእቶት ሃብቲ ሃገር ኩሉ አብ ትሕቲኡ ገቢቱ ሒዙ አፍራይ ፋብሪካታት ኣፍሪሱ ንውሽጢ ኢትዮጽያ ኣጎዓዒዙ ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ካብ ስርሑ ተሰጉጉ ከምዚ ሕጂ አብ ምዕቡላት ሃገራት ናይ ኤኮኖሚ ውድቀት ምስ ኣጋጠመን ሰራሕተኛታተን ካብ ስራሕ ዘውጽአ ዘለዋ ህዝበን ጫቕጫቅ ዝብል ዘሎ ኣብቲ ጊዜቲውን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ካብ ስራሕ ምስተባረሩ ጫቕጫቕ ኣቢልዎም ኢዩ፡፡ ሃገርና ኤርትራ ነቲ ብሰላምን ፍትሕን ክትርከቦ ዝግብአ ነጻነት ስለ ተኸልከለት፡ ህዘቢ እታ ሐንቲ ምርጭኡ ዝነበረት ነጻነቱ ብሐይሊ ብረት ጥራይ ምዃኑ አረጋጊጹ ግዝአት ጸላኢ ክበትኽ ንጽቡቕ ዕላማ ብረታዊ ቃልሱ ጀሚሩ፡፡ እንተኾነ ግነ ጽቡቕ ህዝባዊ ዕላማ ዘባህርሮም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፤ ብዘይካ ስልጣኖም ረብሐ ብዙሐት ዘየገድሶም መርዛማት ደቂ ሃገር ኣብ ውሽጢ ገድሊ፤ ገድልን ጸረ ገድልን ዝብል ኣስማት ኣጠሚቖም ኣብ መንጎ ሐደ ህዝቢ ፈላላይን ኣዕናውን ውግእ ሕድሕደ ወሊዖም ደም ኣፋሲሶም ጥራይ ዘይኮነስ ንወርቃዊ ግዜ ነጻነትወን ንድሕሪት ጎቲቶሞ ኢዮም፡፡
 
ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጽያ ንሃይለ-ስላሴ ዘውደቐ ሰርዓት ደርጊ ብሐዲሹ ከይደልደለ ከሎ ህዝቢ ኤርተራ ብኹሉ ሐይሉ ብጉልበቱን ንዋቱን ግዜ ከሎ ጊዜ ኣይትጸበ ኢሉ ነቲ ተረኺቡ ዝነበረ ጽቡቕ ሃዋሁው ተጠቂሙ አብ ዝተላዕለሉ እዋን ንጸላኢ ካብ መሬት ኤርትራ ንምጽራጉ ዝቐለለ ከሎ መሪሕነታት ክልቲኡ ውድባት ውግእ ሕድሕድ ክዓርፍ ዝግብኦ አቐጺሎሞ፡፡ ተበግሶ ሕቶ ደሞክራስያዊ ሐድነት ብናይ ክልቲኡ ውድባት መሰረታውያን ተጋደልቲ ዝቐረበ ኣበርዒነሞ፡፡ ዓቦይቲ ዓዲ፤ መራሕቲ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላምን ሐድነትን ውግእ ሕድሕድ ጠጠው ክብል አብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ኣትዮም ለሚኖም ፡፡ እነተኾነ ግን ስልጣኖም ንቕድሚት ሰሪዖም ዝተበገሱ ጸረ ሐድነት አድሐርሐርቲ መሪሕነታት ናይ ክልቲኡ ውድባት ነቲ ጽቡቕ እማመ ሽማገሌታት ነጺጎም ንሰራዊት አብ ናይ መን ሰዓረ ውሽጣዊ ውግእ ኣእትዮም ነቲ ኣብ ልዕሊ ስነኩፍ ስርዓት ደርጊ ክሕፈስ ዝነበሮ ናይ 1975 .. ህዝባዊ ዓወት ንረብሕኦም ሰለዘይኮነ አፍሺሎሞ፡፡ ከምኡውን ምኽርን ማዕዳን ተጋደልቲ ወጻኢ ሃገራት ውግእ ሕድሕድ አብ ገድሎም ዘስዓቦ ጉድለታት ተሞክሮኦም አስተምሂሮም አይተሰምዑን፡፡
 
ይተካእ ይለቀብ ድኣ ኮይኑ ነገሩ እምበር፤ መራሕቲ ክልቲኡ ውድባት ንህዝቢ ከታልሉ ውድብ ንውድብ ብመሪሒነት ደረጃ ናይ ክልቲኡ ኣካላት ምእንቲ ሐድነት ንዝቲ ኣሎና እንዳበሉ ንኸታልሉ ገለ ፈተነታት ኣርእዮም ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ውሽጣዊ ቕርሕንትታት አብ ክንዲ ዝሃድእ በብውሽጦም ኣባሊሖም መገዲ ዘተን ልዝብን ገዲፎም ብረታዊ ጎነጽ ናይ መንሰዓረ ውግእ ተኸፊቱ ደም ንጹሃት ኣሕዋት ፈሲሱ፡፡ ሐደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሰዓራይ ኮይኑ ምስ መሻርኽቱ ውድብ ትግራይ ድሒሩ ብዝተፈጥረ ናይ ባድመ  ውግእ ዝፈረሰ ዕርክነቶም ሕጂ ካብ ክቱር ጽልኢ ዝተላዕለ መጽረይ አፍ ዲክታቶር ኮይኑ ዘሎ ወያነ ትግራይ ንሜዳ ኤርትራ ክብሕቶ ከሎ ውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርተራ ድማ ተሳዒሩ ኣብ መሬት ሱዳን ከምዝዕስክር ኮይኑ፡፡ አብዚ ናይ ነንሕድሕድ ምጥፍፋእ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተሐሸሸ ጊዜን ዝዓነወ  ንብረትን መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስልጣኑ ስለዘደልደለ ክሕጎስ ከሎ መሪሕነት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ድማ ብስዕረቱ ጓሂ ጥራይ ዘይኮነስ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ፋሕብትን ኣትይዎ፡፡ ህዝቢ ናይ ክልቲኡ ውድባት መሪሕነታት ኣዕናዊ ትግባራት አቐዲሙ ገምጊምዎ ስለ ዝነበረ በቲ ዝተፈጥረ ዕንቕፋት ጉህዩ፤ መንኮርኮር ሰውራውን ንድሕሪት ተጎቲቱ፡፡ ብዙሐት ተጋደልትን ህዝብን ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ  ተኸሲቱ ዘሎ መገዲ ስደት ተገዲዶም ንዓዲ ስደት ኣምሪሖም፡፡ ዝጠፍኤ ህዝባዊ ዓወትን ዘባኸነ ጸቡቕ ጊዜን ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣብ ድሕነት ስልጣኑ ዝተመከሔ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር መሬት ኤርትራ ንበይኑ ምስ በሐተ፤ ጸኒሑውን ተዓጻጻፊ ዓቕሚ ሰብን መሳርያታትን ኣዳልዩ ንህዝቢ ኣእሚኑ ምእንቲ ሰዓቢ ከረክብ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ተደጋጋሚ ውግአት ኣካይዱ ዓወታት ኣመዝጊቡ፡፡ ቀጺሉውን ነቲ ብመራሕቲ ውግእ ደቂ ሶቪየት ተደጊፉ፤ ብብዝሕን ዓይነትን መሳርያታት ውግእ ክሳብ ዓንቀሩ ኣብ ኣፍዓበት ዓጢቑ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ደምሲሱ ንህዝቢ ማዕጾ ነጻነት ከፊቱ ንዓለምውን መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ኣኢምኑዩ፡፡ ሽዑ ድማዩ ኩሉ ህዝቢ ኤርተራ አብ ውሽጥን አብ ወጻእን ዝነብር ክሳብ እቶም ብውግእ ሕድሕድ ተደፊኦም ነሱዳን ዝአተዉ ተጋደልቲ ከይተረፉ ነቲ ነጻ ወጺኡ ዝነበረ ግንባራ ምእንቲ ከይድፈርን ህዝባዊ ሰራዊት ንቕድሚት ክግስግስን ዝተጸንበርዎ፡፡ ድሕሪ ክንደይ ሐጎጽጎጽ ድማ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ደም ምሩጻት ደቁ ከፊሉ 1991 .. ተዓዊቱ፡፡ ህዝቢ ዋንነት ሃገሩ ብነጻነት ምስ አረጋገጸ መግለጺ ሐጎሱ ዘሊሉን ሳዕሲዑን፡፡
 
ንጸላኢ ዝደምሰሰ ሐይሊ ህዝቢ ንሐርነታዊ ቃልሲ ነቲ አብ ጊዜ ገድሊ ዝጀመሮ ህዝባዊ ትካላት ኣብ ጊዜ ሰላም ብሃገራዊ ቁዋም ኣብ ትሕቲ ግዝአተ ሕጊ ብዝበለጸን ዝጸፈፈን ንምዕዋቱ አይክጽግመንን ኢሉ ብተአማንነት ምስ ጽቡቕ ድልየቱን ዓቕሙን አብ ስራሕ ከውዕል ተበጊሱ ከሎ፤ ስጋ አድጊ ዝለመደ ዝብእስ ከይደቀሰ ይሐድር ከም ዝብሃል፤ ስልጣን ዘመሽመሾ ዲክታቶር ነቲ ኣብ ጊዜ ገድሊ ተሰሪቱ ዝነበረ ህዝባዊ ማሕበራት ብታሕቲ ታሕቲ አፍሪሱ ንስልጣኑ ዘገልግል ሐዲሽ ውድብ ..ደፍ. መስሪቱ፡፡ ሕቡእ መሐውራት ጸጥታዊ ስለላ ፈጢሩ ህዝቢ ብግስ ከምዘይብል ሐሊኹ ነቲ ህዝቢ በብዓቕሙ ሃገር ክሃንጽ ዝተበገሰሉ እዋን ሃገር ምእንቲ ከይትለምዕን ከይትህነጽን ናይ ውሽጢ ሃገር ሃብታም፤ ምሁር፤ ሞያተኛ ብእከይ ተግባራት ዲክታቶር ተማሪሩ ዓዱ ገዲፉ ከምዝለቕቕ ገይርዎ፡፡ ኣብ ዓዲ ስደት ሰሪሑ ዘጥረዮ ሃብታም አብ ሃገሩ ስራሕ ክኸፍት፤ ተማሂሩ ዝቐሰሞ ፍልጠት አብ ሃገሩ ህዝቡ ክምህር ብዓል ሞያውን ተሞክሮኡ አብ ልምዓት ሃገሩ ከውዕል ዓዱ ክኣቱ ኣብ ዝተበገሰሉ ጊዜ ተኾሊፉ፤ ሃብቱ፤ ፍልጠቱን ክእለቱን አብ ክንዲ አብታ ጽቡቕ ዝተመነየላ ሃገሩ ዘውዕሎ ኣብተን ተሰዲዱ ዝነብረለን ሃገራት የውዕሎ ኣሎ፡፡ እታ ብዓቕሚ ህዝባ ክትህነጽን ክትምዕብልን ዝግብአ ሃገርና ድማ ክሳብ፤ ክሳብ እዚ ጠላም ዓጋቲ ምዕብልና ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣገልግሎት ደቃ ኣይክትረክብን እያ፡፡ ሐደ ህዝቢ ኣብ ዝጠዓሞ  ቆዋሚ ናይ መንበሪ ፍሉጥ ቦታ ምስ ዝህልዎ፤ ብዛዕባ ስራሕ፤ ትምህርቲ፤ ሕክምና ኩሉ መሰላቱ ሐሲቡ ክዛረብ፤ ሕቶታት ከልዕልዩ ስለ ተባህለ ብቐሊሉ ኣብ ናይ ጸጥታ ስለላ ጉጅለ ... ዝቆጻጸረሉ ቦታታት ብምኽንያት ሐለዋ ዶባት፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት መደባት ሐንጺጹ ንኹሉ መንእሰይ ኣብ ተጠንቀቕ ዓኒዱ፤ ምእንቲ ብመሰሉ ከይሐስብ በብጊዜኡ ቦታታት እነዳቀያየረ ንዘይተወሰነ ጊዜ ሒዙዎ አሎ፡፡ እዚ ድማ ዲክታቶር ናይ ብሕቱ ፍጹም ጽልኢ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ስለዘሕደረ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡ ህዝቢ ግን ረብሕኡ ስለዝፈልጥ ነቲ ፍጹም ግህሰት መሰሉ ዋላኳ በቲ ስሩዕ ኣገባብ ንመሰሉ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ክቛወም አይኽአል እምበር ነቲ ብኣስገዳድ ዝተምደቦ ስራሕን ቦታን ጠንጢኑ በብመዓልቱ ብኣምአት ቁጽሪ እንዳተሰደ ተቛውሞኡ ይገልጽ ኣሎ፡፡
 
 
ቁሩብ ካብ እከይ ተግባራት ....
 
ሰልማት ሃገር ዘኾነ ጎቦታት፤ ሩባታት፤ አግራብ ዘፍረሰ ህግደፍ
ህዝቢ ኤርትራ ብስደት አብ ቀዳማይ ደረጃ ዝሰርዔ ህግደፍ
ካብ ገዝኦም አዛናቢሉ ናይ ጽርግያ ቆልዑት ዝገበረ ህግደፍ
ዶብ ክሰግር ዝተረኽበ ተኩሽካ ቕተል ዝፈረደ ህግደፍ
ህዝቢ ጠምዩ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክስደት ዘገበረ ህግደፍ
መንእሰይ ብምረት ግፍዕታት ክስደት ዝገበረ ህግደፍ
ምስ ዓለምና ክልተኣዊ ዝምድናት ዝበተኸ ህግደፍ
ህንጻታት ሃገር ቤት ማኢሰርት ዝቐየረ ህግደፍ
ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ዝሰሐበ ህግደፍ
ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ቀለብ ዓሳ ዝገበረ ህግደፍ
ዘይ ባህርያቱ ህዝቢ ክልምን ዝገበረ ህግደፍ
ሃገራዊ ቁዋም አብ ከብሒ ዝደርበየ ህግደፍ
ሐንቲ ስደረ ቤት ክትፈላለ ዝገበረ ህግደፍ
ክብርን ባህልን ብሄራት ዝጠሐሰ ህግደፍ
አብ ሳህራ ሑጻ ተደፊኑ ዘትረፈ ህግደፍ
ጉቦ ስልጣንን ገንዘብን ዘልመደ ህግደፍ
 
ብልሐት ስልጣን ዲክታቶር ኢሳያስ ምሰ ቁሩብ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠርዎ ዕንወታት እንተተመልከትካ ምዝንባል ዓድታት፤ ምፍልላይ ስድራቤታት፤ ናይ ሃገር ኤኮንሚ ውድቀት፤ ተረሚሱ ዘሎ ሃገራዊ ልምዓት፤ ፈሪሱ ዘሎ ውሽጣዊ ምምሕዳራት፤ ተኸልኪሉ ዘሎ ደሞክራሲ፤ ተቛሪጹ ዘሎ ናይ ደገ ዲፐሎማሲያዊ ዝምድናታት እቲ ብድሕሪ ምዳቕ እዚ ሰበበኛ ስርዓትዚ ዝቐውም (ዝትከል) ሰላመውን ፍተሐውን መንግስቲ ነቲ ኩሉ ኢሳያስ ዘባላሸዎ አብ ንቡር ምምሕዳር መሊሱ ግቡእ ስረት ከትሕዞ ኩሉ ሃዲኡ ዝሐስብ ንሐደ ስሩት ወይ ዝተሃነጸ ነገር ከተፍርሶን ነቲ ፍሩስ ክትሃንጾን አየናዮም ከምዝቐልል ኩሉ ወዲ ሃገር ዝፈልየጦ ኢዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ስርዓት ህግደፍ ሃገር ከፍርስ መስል ዜጋ ክግህስ ዝወሰደሉ ጊዜ ዝሐለፉ 19 ናይ ዕንወት ዓመታት በዚ ሕጂ ዘሎ ድኽነት፤ ናይ ህዝቢ ምዝንባል ናይ መንእሰያት ስራሕ ዘይምህላው፤ናይ ወተሃደር ምብዛሕ ናይቲ ዝትከል መጻኢ መንግስቲ ምትዕርራይ መደባት ክግምገም ከሎ ብርቱዕ ተጸዋርነት፤ ግሉጽነት፤ ተሐታትነት ምስ ድቃስ ዘይህብ ናይ ስራሕ ተበግሶ ዓቢ ሃገራዊ ሐላፍነት ስለዝሐትት ነዚ ናይ ሕጂ ጸገም ናይ ጽባሕ ጸገም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ተደራራቢ ጸገማት ኣብ ክንዲ ክበዝሕን ክነውሕን ዝጽበ ንምሕጻሩ ምእንቲ ረብሐ ህዝቢ፤ ብትዕግስትን ብልዝብን ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ ዘስምዕ ፍልልያት ናይ ውድባት፤ ሰልፍታት፤ ህዝባውያን ማሕበራት ኣሪምካ ከምቲ ንዝሐለፉ ግዝኣታት ናይ ወጻኢ ጸላእቲ ኣዕንዩ ዝሰዓሮ ነዚ ጽልኢ ዝመሰረቱ ብዘይ ሐላፍነት ብትዕቢት፤ ንዕቀት ተሸንዲሑ ሃገር ኣዕኒዩ ዘሎ ሽዱድ ናይ ውሽጢ ጸላኢ ዲክታቶር ምስ ጉጅለ ህግደፍ ንምዕናዉ ዘጸቢ ጊዜ ኣይኮነን ኩሉ ወዲ ሃገር ብሐደ ዕጥቂ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ከዕንዎ ኣለዎ፡፡
 
ሐድነት ህዝቢ ሐይሊ ኢዩ፡
 
ገብረዝጊ አፈወርቂ፤

 

 
Copyright © 2010 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.