Home
ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ PDF Print E-mail
Written by ECP   
Sunday, 07 February 2010 23:21

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ሃገር ሽወደን ከተማ ጉተንበርግ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ከምኡ'ውን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራት ካብ ዘለዉዎ ቀይዲ ነጻ ንኽፍትሑ ብምጥላብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ይኹን ድኣም'በር ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ግርማ ኣስመሮም ነዞም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ሰባት ይኹን ንጋዜጠኛታት ንምርካብ ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ነዚ ብዝምልከት ጋዜጠኛታት ንሓደ ካብ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበረ ኣቶ ኣርኣያ ኣስገዶም ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ ገንዘብ ህዝቢ ምእካብ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘገድሶ ከምዘየሎ ሓቢሩ። ግርማ ኣስመሮም ኣብ ክንዲ ብኣፍደገ ኣዳራሽ ኣኼባ፡ ተሓቢኡ ብድሕሪት ከምዝኣተወ ድማ ተፈሊጡ።  

 

ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስርዓት ህግደፍን መራሕቱን ዝዓለመ እገዳ ድሮ ኣብ ግብሪ ውዒሉሉ ዘሎ እዋን፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ነቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምጉስጓስ ኣንጻር እዚ ተወሲዱ ዘሎ እገዳ ተቓውሞ ንኽገብሩ እዩ። ሓደ ካብ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ማለት ሓው እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ኢሳያስ ኢሳቕ ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራንት ኣቓልቦ ንኽረክብ ምዃኑ ድማ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ሓበሬታ SVT (Sveriges Television)

ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ

 
Copyright © 2010 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.