Home
ዳዊት ኢሳቕ ሓያል ደግፍ ሕብረት ኤውሮጳ ረኺቡ (Dawit Isaak får tungt stöd från EU) PDF Print E-mail
Written by DN.se   
Saturday, 09 January 2010 17:54

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጡ ብምዝያድ፡ ኣፈኛ ፓርላማ ኤውሮጳ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከብዎም ኩሎም ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑ ጠለቡ ኣቕሪቡ ኣሎ።

 

ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን ኡለ ሽሚት እቲ ክሳብ ሕጂ ብሕብረት ኤውሮጳ ካከየድ ዝጸንሕ ስቱር ዲፕሎማሲ ከምዘየስረሐን ከምዘብቅዐን ብምጥቃስ ጸቕጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ፕረሲደንቱን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከም ዝዛየደ ኣፍሊጡ። ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽፍታሕ ብመንግስቲ ሽወደን ዝተገብረ ጻውዒት ብመራሕ ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ስለ ዝተዋህቦ፡ ብተበግሶ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ ኡለ ሽሚት ከምኡ'ውን ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ኤቫ-ብሪት ስቬንሶን ንጉዳይ ዘይሕጋዊ ምእሳር ዳዊት ንምቅዋም ብደረጃ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽትሓዝ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ቅቡል ኮይኑ ተረኺቡ፡ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ደሮ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ዝጀመረ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።  ወሃብ ቃል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ጀርዚ ቡዜክ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓደ ደብዳበ ብምጽሓፍ ብመንገዲ ናይ በልጅዩም ኮሚሽነር ነበር ሉዊስ ሚሸል ናብ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ክልኣኽ እዩ። ሉዊስ ሚሸል ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺብዎ ብምንባሩ እዚ ሕጂ ብመንገዲ ወሃብ ቃል ሕብረት ኤውሮጳ ጀርዚ ቡዜክ ዝልኣኽ ደብዳበ ክብደቱ ልዑል ምዃኑ ይፍለጥ። ብመንገዲ እዚ ሓድሽ ተበግሶ ኣብ ምፍታሕ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ጋዜጠኛታትን ለውጢ ከምጽእ ምስዘይክእል ግን እቲ ጉዳይ ናብ ፕረዚደን ሕብረት ኤውሮጳ ሄርማን ሮምፒ ከምኡ'ውን ወጻእ ጉዳይ ሚኒስተር ካትሪን ኣሽተን ከም ዝሰጋገር ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ምንጪ ሓበሬታ DN.se

http://www.dn.se/nyheter/sverige/dawit-isaak-far-tungt-stod-fran-eu-1.1002763

ትርጉም ኤድቶርያል ቦርድ

 
Copyright © 2010 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.