|
Written by AFP
|
|
Wednesday, 23 December 2009 21:04 |
|
ሴኩዩሪቲ ካውንስል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ብረት እገዳ ከምኡ'ውን ኣብ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኣንፈተ እገዳ የሕሊፎም ኣለዉ። እዚ እገዳ ዝተወስደ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታ ኣይስሕብን ዝብል መርገጽ ብምሓዙን ብቐጻሊ ነቲ ናይ ጡሩፋት ጉጅለ ሶማል ብቐጻሊ ክሕግዝ ብምጽንሑ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብ 15 ኣባላት ሃገራት ሴኪዩሪቲ ካውንስል 13 ነዚ እገዳ ክድግፋ እንከለዋ ቻይና ብዘይ ድምጺ ምሃብ ነዚ ውሳነ የሕሊፋቶ እታ እንኮ ሃገር ነዚ እገዳ ዝተቓወመት ሊብያ ጥራይ ምዃና'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብዩጋንዳ ዝተነድፈ ሰነድ እገዳ ስርዓት ህግደፍ ብረት ከይሸይጥን ከይገዝእን ዝኽልክል ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካን ወትሃደራዊ መራሕቲ ህግደፍ ናይ ምጋሽ እገዳን ኣብ ደገ ዘሎ ንብረት ከየንቀሳቕስዎ ዝኽልክልን እዩ። ኣስዒቡ እዚ ናይ እገዳ ሰነድ ስርዓት ህግደፍ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምእላይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ካብ ምድግጋፍ ብፍጹም ጠጠው ከብል ዝጠልብ ኮይኑ፡ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ነዚ እገዳ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ኤርትራ ዝልኣኽ ይኹን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣቱ ኣቑሑ ግቡእ ፍተሻ ብምክያድ ብረት ይኹን ካልእ ዝተኸልከለ ንብረት ከይመላለስ ኣብ ምኽልካል እጃመን ከበርክታ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ኣስዒቡ እዚ ሰነድ ኤርትራ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታ ብምስሓብ ነዚ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ጂቡትን ንኽልቲአን ሃገራት ብዘዕግብ ኣገባብ ንምፍታሕ ስርዓት ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ክነጥፍ እውን መጸዋዕታ ጌሩ ኣሎ።
ሴኩዩሪቲ ካውንስል ኣስዒቡ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓፈሻ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናዕብን ዕግርግርን ንምስፋን ንዝቃለሱ ጉጅለታት ካብ ምድጋፍ ክቑጠቡ መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ብኣንጻር እዚ ዝቐረበ ሰነድ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ብእገዳ ክትካእ ከምዘይግብኦ ብምጥቃስ፡ ቅድሚ እዚ ዝተወስደ ውሳነ እገዳ ኣቐዲሙ ንኣባላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ንኸይውሰድ ናይ ምሕጽንታ ደብዳብ ልኢኹ ጸኒሑ እዩ። እዚ ውሳነ ኣብ ዝተወስደ እዋን ድማ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ "ኤርትራ ብድላይን ጠለብን መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘይ ምቕያዳ ኣብ ልዕሊኣ ናይ እገዳ ውሳነ ክውሰድ ኣይግባእን" ብማለት ተቓውሙኡ ኣስሚዑ ኣሎ።
ኣፍሪካን ዩንየን ከምኡ'ውን ኢጋድ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዞም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማል ብዘካይዶ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ተራ ክቕጻዕ ኣለዎ ብማለት ክስታቶም ብቐጻሊ ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም። ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ'ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሶማል ክኸይድ ዝጸንሐ ውግእ ኣብ ምግዳድ ኤርትራ ኢድ ጸኒሕዋ ዝብል እዩ።
ውሳነ 1862 ካብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ኤርትራን ጂቡትን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ 5 ሳምንታት ክስሕብ ውሳነ የሕሊፉ ኣሎ፡ ብመሰረት ውሳነ 1907 ድማ ስርዓት ህግደፍ ንዝህልዎ ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ 180 መዓልታት ተቓውምኡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪሙን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ምንጪ ሓበሬታ
AFP
ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ
|