|
ስቫርየስ ተለቪሹን (Sveriges Telvision - SVT) ዝብሃል ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ቲቪ ፕሮግራም ሽወደን ኣብ ትሕት ግርጭታት ዓለም ዝብል ዓምዱ ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ናይ ፍርቂ ሰዓት ፕሮግራም ብዕለት 26/11/2009 ፈነዩ ኔሩ። ጽሟቕ ትሕዝቶ ፕሮግራም ድማ እንሆ።
ኤርትራ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደት ሃገር እያ፡ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ድማ ኣብ ምክልኻል እታ ዓባይ ጎረቤት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን በዘየገድስ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነት እዩ ዝነበረ። ታሪኽ ኤረትራ ግን ኣብኡ ኣየብቅዕን፡ ታሪኽ ኤርትራ ድማ ታሪኽ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ተረኽቦ እውን እዩ።
ኣብ 1890 ኢጣልያ ኣብዛ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ግዝኣታ ተኸለት፡ እዛ ሃገር ድማ ብኤርትራ ዝብል ስም ክትጽዋዕ ትጅምር፡ ኤርትራ ብላቲን መጸውዒ ንቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ እዩ። ኣብ 1930 ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተፈሪ መኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ንጉስ ሃይለ ስላሰ ከም ንጉስ ተቐብአ፡ ንጉስ ሃይለ ስላሰ ድማ ንኢትዮጵያ ንኣርብዓ ዓመታት ኣመሓደረ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ድማ ዓብ ግደ ተጻወተ።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኢጣልያ ምስተሳዕረት ሓንቲ ኣብ ትሕቲኣ ካብ ዝነበራ ግዝኣታት ማለት ኤርትራ ብምኽሳር መግዛእቲ ኢጣልያ ብምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ተተክእ። ግን ሃይለስላስ እውን ንኤርትራ ክቆጻጸር ደለየ። ኤርትራ ብታሪኽ ኣካል ናይታ ብስም ኣቢስንያ እትፍለጥ ዝነበረት ናይ ጥንቲ ሃገር ኮይና፡ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ እያ። ብዘይ ኤርትራ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ የለን ማለት እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ግን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያን ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ሓበር መለለዪን ጽኑዕ ምትሕብባርን እናዓበየ ክመጽእ ጸንሐ። ምዕባለ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ መንገድታት ብምሓዝ ድማ ክምዕበል ጸንሐ። ኤርትራውያን ጽልዋ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ብምኽታል ክምዕብሉ እንከለዉ፡ ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ጥንታዊ ምምሕዳር ዝተመርኮሰን ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ምልኪ ዝተመስረተ ምምሕዳር ኣማዕበሉ። ኣብ 1952 ዓባይ ብሪጣንያ ንኤርትራ ሓዲጋ ድሕሪ ምውጽኣ ብውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቖርነት። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣውቶኖሚ ኤርትራ ንኸይድፈር ሓላፍነት ነበሮ። ኢትዮጵያውያን ግን ካልእ መደብ ነበሮም። ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ብምጥሓስ ኣብ ኤርትራ ነጻ ጋዜጣታትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ይኽልክሉ። ብኣንጻሩ ሰልጣን ሃይለ ስላሰ ይሕይል፡ብመሰረት እቲ ሓድሽ ቅዋም ኢትዮጵያ ሃይለ ስላሰ ቅዱስ ስልጣኑ ድማ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘይኣቱ እዩ ይብሃል። ብ1955 ድማ ሃይለ ስላሰ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራ ብምጭማር ናይ ሓባር ባንዴራ ክትከውን ይውስን። ካብዚ ዕለት ኣትሒዙ ሃይለ ስላስ ንኤርትራውያን ዝኾነ ርእሲ ምምሕዳር ከምዘይህልዎም ድማ ይገብር። ይኹን ድኣምበር ካብቲ እምቢ ንምምብርካኽ ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞ የጓንፎ። ኣብ 1960 እቲ ናይ መጀመርያ ብረታዊ ተቓውሞ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ማለት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይምስረት። ኣብ 1961 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖሊስ መደበር መጥቃዕቲ ተካይድ እዚ ድማ መፈለምታ ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኮነ። ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ተቓውሞ ከይቀረበ ኢትዮጵያ ንውዕላት ፈደረሽን ብምጥሓስ ንኤርትራ ኣብ ፍጹም ግዝኣታ ተእትዋ። ውጽኢት ጥልመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣዝዩ ከቢድ ኮነ። ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ጎንና ደው ዝበለ ሓይሊ የለን ንናጽነትና ድማ ብገዛእ ርእስና ከነምጽእ ኣሎና ዝብል ስምዒት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን እናዓበየ መጸ። ኣብዚ እዋን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣንጻር ኣዝዩ ሓያል ሰራዊት ቃልሲ ተካይድ፡ ኢትዮጵያ ዳርጋ ዓሰርተ ግዜ ካብ ኤርትራ ትዓቢ ከምኡ ድማ ኢትዮጵያ እታ ካብ ምሉእ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝበዝሐ ብረት ካብ ኣሜሪካ እትረክብ ዝነበረት ሃገር ነበረት። ሃይለስላስ ኣብ ዘበኑ ዋጋ 180 ሚልዮን ዶላር ብረት ካብ ኣሜሪካ ተረከበ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓለስቲ ኤርትራውያን ብጥሜት ብምሓዝ ንኽስዕሮም ዘውጽኦ ትልሚ ንምዕዋት ልዕሊ 300 ገጠራት ፍጹም ከምዝዓንዋ ነበርተን ድማ ንቕትለትን ስደትን ከምዝፍረዱ ተገብረ። ሳዕቤኑ ድማ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ተሰዱ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣንጻር ሓያል ጸላኢ ምግጣሙ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ኣብ መንጎ ዝተረኽበ ፍልልያት እውን ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምትዳኸም ገበራ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሕድሕድ ኲናት ድማ ይስዕብ። ድሕሪ ምፍንጫል ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝጽዋዕ ውድብ ድማ ይቐውም። እዚ ውድብ ዝማዕበለ ኣገባብ ደባይ ተዋጋኢ ሜላ ዝጥቀም ነበር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ዓለም ለኻዊ ጠመተ ክረክብ ከኣለ። ሃይለስላስ ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ 80 ዓመት ዝበጽሐን ድሮ ንኣርብዓ ዓመታት ዝገዝአ ንጉስ ነበረ። ንጉስ ሃይለስላስ ኣዝዩ ዓቢ ሰራዊት ሃኒጹ ነበረ። ኢትዮጵያ ብ1973 ብብርቱዕ ደርቂ ትጥቃዕ ሳዕቤኑ ድማ ልዕሊ 200 000 ኢትዮጵያውያን ኣደዳ ሞት ይኾኑ። ብሳዕቤን ምምሕዳር ስርዓት ሃይለስላሰ ድማ ኣደዳ ደርቂ ዝኾኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ሓገዝ ክግበረሎም ኣይክኣለን። መግዛእቲ ሃይለስላስ ምስ ግዜ ኣብ ሕቶ ምልክት እናኣተወ ይኸይድ ብ12 መስከረም 1974 ድማ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተኻየድ ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ይእለ። ውድቀት ሃይለስላሰ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ተስፋ ይህብ። ኣብ 1977 ዝዓበየ ክፋል ኤርትራ ኣብ ትሐቲ ቁጽጽር ተጋደልቲ ይኣቱ። ሕልሚ ምውናን ነጻ ሃገር ድማ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ በጺሓ ነበረት። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ መራሕቲ ደርጊ ዝተኻየደ ግርጭት መንግሰቱ ሃይለማርያም ንኹሎም ተወዳደርቱ ብምእላይ ተዓዋቲ ብምዃን ስልጣን ይጭብጥ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ብምዃን ይምረጽ፡፡ እቲ ናይ መጀመርያ እዋን ምሕደራ መንግስቱ ሃይለማርያም ብስም ናይ ቀይሕ ራዕዲ ይፍለጥ፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብስርዓት ደርጊ ኣሽሓት ዜጋታት ይጸንቱ። እቲ ኣንጻር ኣሜሪካ ዘቕንዐ ፖለቲካ ስርዓት ደርጊ ብኣሜሪካ ተጻዋርነቱ ብምብቅዑ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኹሉ ወትሃደራዊ ሓገዛት ደው ተብል። መንግሰቱ ድማ ምስ ምምሕዳር ሶቭየት ሕብረት ውዕላት ይፈራረም። ኣብዚ ናይ ዝሑል ኲናት እዋን ኢትዮጵያ ጸግዒ ብምቕያር እቲ ቀጻሊ ወትሃደራዊ ሓገዛት ካብ ሶቭየት ሕብረት ንምርካብ ድማ ተውሕስ። ውግእ ዳዊትን ጎልያድን ድማ ይጅምር። ብሓመለ 1978 ጁላይ መንግስቱ ነተን ኣብ ሓራ ኮይነን ዝጸንሓ ከተማታት ቀጻሊ ደብዳብ የካይድ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ምንስሓብ ይገብር። ኣብ ሰማንያታት ስርዓት ደርጊ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩ ንምስዓር ተደጋጋሚ ወራራት የካይድ ኮይኑ ግን ጽንዓት ህዝብ ኤርትራ ክስበር ብፍጹም ኣይተኻእለን። ኣብ 1984 ኢትዮጵያውያን ካልእ ሽግር'ውን ይገጥሞም። ሰፊሕ ክፋል ኢትዮጵያ ከም እንደገና ብጥሜት ይጥቃዕ፡ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ይጸንት በዚ ተረኽቦ ድማ ምሉእ ዓለም ይስንብድ። ብተበግሶ ሙዚቀኛ ቦብ ጌልዶፍን ብጾቱን ድማ ብስም ባንድ አይድ ዝፍለጥ ወፈራ ምእካብ ሓገዝ ይካየድ። እዚ ኩሉ ህልቂት ህዝቢ ብዘየገድስ መንግስቱ ሃይለማርያም ብቐጻሊ ጠመትኡ ኣብ ወትሃደራዊ ሓይሊ ብምግባር፡ ዓቢ ክፋል ገንዘብ ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ከም ዝውዕል ይገብር።ነቶም ብቑጽሮም ውሑዳት ዝኾኑ ተጋደልቲ ንምስዓር ድማ መንግስቱ ሃይለማርያም ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊት የኽትት። ኮይኑ ግን ክዕወት ኣይክኣለን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ድማ በዚ ዝተናወሐ ውግእ ሞራሉ መሬት ዘበጠ። ብዕለት 17 ወርሒ 3 1988 ዝተኻየድ ውግእ ኣፍዓበት ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ምድላው ኤርትራውያን ንደርጊ ኣብቲ ናይ መጨረሻ ወግእ ገጽ ንገጽ ይገጥምዎ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ወትሃደራት ኢትዮጵያ ይሞቱ። ተጋደልቲ ድማ ታንክታትን ካልእ መሳርያን ይማርኹ፡ ነቲ ሓያል ጻላኢ ከንሳሕብ ድማ የገድድዎ። ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያውያን ተጋደልቲ ምስ ኤርትራወያን ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ምትሕብባር ይገብሩ፡ ሶቭየታውያን ድማ ወጻኢታት ንመንግስቱ ሃይለማርያም ዝውሃብ ብረት ካብ ምሽፋን ይደኽሙ። ሶቭየት ሕብረት ንኢትዮጵያ ዋጋ 9 ሚልያርድ ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዛት ከምዝገበረት ይፍለጥ። ብ1991 መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ስልጣኑ ተሳዒሩ ናብ ስደት የምርሕ። ኣብዚ ብኽልተ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝተደገፈን እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሰራዊት ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኤርትራውያን ተሳዕረ። ኣብዚ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ድማ ሰብዓ ሽሕ ተጋደልትን ርብዒ ሚልዮን ሰላማውያን ዜጋታት ኤርትራ ሂወቶም ሓለፈ፡ ሓደ ሲሶ ዜጋታት ኤርትራ ድማ ስደተኛታት ንክኾኑ ተቐሰቡ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ኮነ፡ ኣብቲ መጀመርያ ዝገበሮ መደረ ድማ ክሳብ ቅዋም ረቒቑ ዝጸድቕ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም ዝትከል የፍልጥ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኩርዓትን ተስፋታትን ህዝቢ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ። ነጻ ምርጫ ንምክያድ መደባት ይወጽእ፡ ሓድሽ ቅዋም ረቒቑ ከም ዝጸድቕ ድማ ይሕበር። ኤርትራ ናብ ጉዕዞ ምዕባለ ከም ትኸይድ ዝነበረ እምነት እውን ኣዝዩ ልዑል ነበረ፡ ኮይኑ ግን ካብ ዘበነ ብረታዊ ቃልሲ ናብ በርገሳዊ ምምሕዳር ምስግጋር ቀሊል ኣይነበረን። ተጋደልቲ ተዋጋእቲ ድኣም'በር ናይ ፖለቲካ መራሕትስ ኣይኮኑን። እቲ ጽፍሕታት ወትሃደራዊ ምምሕዳር ድሕሪ ነጻነት እውን ከምዝነበሮ ቀጸለ። ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፈነ፡ ኮይኑ ግን ብኽልቲኦም ወገን ሓደ ዝተረስዐ ጉዳይ ነበረ፡ ንሱ ድማ ኤርትራ ነጻ ሃገር ትኹን ድኣም'በር ዶብ እዘን ክልተ ሃገራት ብንጹር ከይትሓንጸጸ ምጽንሑ እዩ። ኣብ 1998 ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ዶብ እዘን ክልተ ሃገራት ምስኣተዉ፡ ወትሃደራዊ ጎነጽ ይኽሰት። ኣብ ዝቐጸለ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ እዘን ኣብ ዓለም ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዝኾና ጎረባብቲ ሃገራት ወትሃደራዊ ምድላዋት የካይዳ። ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ወትሃደራዊ ዕጥቂ ይውዕል። ብወገን ኤርትራ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ሰራዊት ንውግእ ድሉዋን ብምዃን ይቕረቡ። ኣብዚ እዋን'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ጉዳይ ዶብ ንምፍታሕ እቲ እንኮ ምርጫ ውግእ ምዃኑ ብዕሊ የፍልጥ። ኣብ የካቲት 1999 ድማ ውግእ ይኸውን። እቲ ውግእ ኣዝዩ ደማዊ ይኸውን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ድማ ይሞቱ። ውዕል ኣልጀርስ ብ18 ሰነ 2000 ይኽተም። ነዚ ስምምዕ ንምሕላው ድማ ወትሃደራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኽኣትዉ ስምምዕ ይብጻሕ። ኣብቲ እዋን ውግእ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ንኽስደዱ ይግደዱ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ጉዳይ እቲ ዘባእስ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብይኑ እታ ተባእስ ዝነበረት ቦታ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ዝብል ብይን ይኸውን። እዚ ዝተኻየደ ውግእ ኣንጻር ኢሳያሳ ኣፈወርቂ ቅሉዕ ተቓውሞ የስዕብ። 11 ሰፕተምበር ጠመተ ዓለም ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናይ ቴሮሪዝም ደብዳብ ኣብዝነበረሉ ሰሙን ስርዓት ኢሳያስ ነዚ ከም ሽፋን ብምጥቃም ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን ይኣስር። ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካል ዝነበረ ሕልሚ ድማ በዛ ዕለት እዚኣ ቅሂሙ ይተርፍ። ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ኤርትራ ኣብ ዝብኣሰ ዓዘቕቲ እናጥሓለት ከደት፡ ስርዓት ኢሳያስ ድማ ብቐጻሊ ፓራኖያ እናኾነን ካብ ዓለም እናተገለለን መጸ። ብሰንኪ ደርቂ ጥሜት ብቐጻሊ ዘንጸላሉ ሓደጋ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ፍርሕን ራዕድን መድረኽ ተሸሚማ ትርከብ።
ነዚ ሬፖርታጅ ዘዳለወ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ማዕረማዕረ ምስቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ታሪኻዊ ምዕባለታት ኤርትራ፡ ስምረት ንዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ዝኽርታትን ተመኩሮታትን ብቓለ-መሕትት ኣቕሪቡ ነበረ። ስምረት ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ነጻነት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ ብጻዩ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝመስረተ እዩ ዝነበረ። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ዝትዓጽዋሉ እዋን ንሱ'ውን ከም ብጾቱ ግዳይ ናይ ማእሰርትን ስደትን ድሕሪ ምዃን ሎሚ ኣብ ሽወደን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ይነብር ምህላዉ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብሪሁ።
ኤርትራውያን እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ነቲ ብክልተ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝትሓገዘ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስዓር ንኤርትራ ሓራ ሃገር ጌሮማ ኮይኑ ግን ሓንቲ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ንምውናን ዘሎ ሕልሚ ግን ርሒቑ ይርከብ፡ እታ ነጻ ዝኾነት ሃገር ዝተነጸለት ሃገር ኮይና ትርከብ። ሕጂ'ውን ከም እንደገና ህዝቢ ኤርትራ በይኑ በዘይ ደገፍቲ ይርከብ ኣሎ፡ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ ጸላኢኦም ኣብ መንጉኦም ኣሎ። ብማለት ኣብ መደምደምታ እዚ ፕሮግራም እዚ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ጸላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ዘይኮነስ ባዕሉ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ጸላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ ብምብራህ ደምደመ።
ምንጪ ሓበሬታ ናይ ሽወደን ቲቪ ፕሮግራም
ዕለት 19 ኖቨምበር 2009 ተራእየ
http://svtplay.se/v/1776576/varldens_konflikter/del_4_av_8?cb,a1364145,1,f,-1/pb,a1364142,1,f,-1/pl,v,,1788952/sb,p103549,1,f,-1
ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ |